Hoppa till huvudmenyn Hoppa till innehåll

ማእከል ዓማዊል

ብዛዕባ ክራይ፡ ውዕልን መፋትሕን ዝምልከት ሕቶታት እንተ ኣሎካ ኾይኑ ወይ ኣብ ገዛኻ ምምሕያሻት ክትገብር ደሊኻ ምስ ማእከል ዓማዊል ርክብ ግበር።

ኣድራሻGasverksgatan 7, Västerås
መደበኛ ናይ ምብጻሕ ሰዓታት: ሰኑይ–ሓሙስ ሰዓት 10.00–17.00፡ ዓርቢ ሰዓት 10.00–15.00
ተለፎን: 021-39 70 00 መደበኛ ናይ ተለፎን ግዜ: ሰኑይሓሙስ ሰዓት 10.00–17.00 ዓርቢ ሰዓት 10.00–15.00
መይል: kundcenter@mimer.nu

መሓበሪ ብልሽት

ብዛዕባ ናትካ ገዛ ዝምልከት ሕቶታት እንተ ኣሎካ ኾይኑ ወይ ሓደ ብልሽት ክትሕብር ደሊኻ ምስ Serviceanmälan (መሓበሪ ብልሽት) ርክብ ክትገብር ኣሎካ።

ምስ Serviceanmälan በዚ ዝስዕብ መንገዲ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  • ናብ 021-39 70 00 ደውል። ነቲ ናይ ብልሽት ምልክታኻ ብተለፎን፡ ሰኑይ-ሓሙስ፡ ሰዓት 10–17 (መደበኛ ሰዓታት) ንቕበሎ ኢና።
  • ናብ Mina sidor (ብሽወደንኛ) ኣቲኻ ነቲ ምልክታ ብልሽትካ ግበሮ።
    ኣብ Mina sidor እቶም ዝገበርካዮም ናይ ብልሽት ምልክታታት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘለዉ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።
  • ነታ ”Mina sidor” ትብል ኣፕ ጽዒንካ ኣብኡ ነቲ ምምልካት ብልሽት ግበሮ።

ኣብ እዋን ቀዳመ ሰንበትን በዓላትን ንህጹጽ ጕዳያት፡ ንኣብነት ጐረባብትኻ እንተ ረቢሾም፣ ንነብስኻ ኣብ ደገ ዓጺኻያ(ንገዛኻ ክትኣቱ መፍትሕ ዘይብልካ ኾይኑ) ወይ ብጌጋ ዝዓሸጋ መኻይን ዓጊተናኻ ኾይነን፡ ናብ ተረኛ ቍጽሪ ተለፎን 021-39 70 00 ደውል።