Hoppa till huvudmenyn Hoppa till innehåll

ሓበሬታ ብትግርኛ ንዓኻ ገዛ ትደሊ ዘሎኻን/ወይ ኣብ Mimer ተኻራያይ ዝኾንካ።

ሓበሬታ ንተኻረይቲ

ከምዚ ጌይረ ምስ Mimer ርክብ ይገብር

ናጻ ዝኾነ ገዛ ድለ

ካብ Mimer ገዛ ክትካረ ንኽትክእል እዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ጠለባት ናይ ግድን ከተማልእ ኣሎካ፡

  • 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣሎካ።
  • ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ክህልወካ ኣሎዎ።
  • ካብ Mimer ወይ ካልእ ዝኾነ ኣካራዪ ገዛ፡ ዕዳ ክህልወካ የብሉን።
  • ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ካብ ሓደ ንላዕሊ መዝገብ ብዛዕባ ንሓደ ዕዳ ኣብ ግዜኡ ከም ዘይከፈልካዮ (betalningsanmärkning) ክህልወካ የብሉን።
  • ንስኻ ናይቲ ክራይ ገዛ ውዕል ዘሎካ፣ እቲ ገዛ ከድልየካ፡ ኣብኡ ብቐዋሚ ክትነብርን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ኣብቲ ኣድራሻ ዝተመዝገብካን ክትከውን ኣሎካ።
  • ሓደ (1) ናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል (ብቐጥታ ውዕል ምስ ኣካራዪ፡ förstahandskontrakt) ክህልወካ ጥራይ ኢዩ ዝፍቀደካ።
  • ሓደ ናይ ገዛ መድሕን ክህልወካ ኣለዎ።
  • ናይቲ ገዛ ስፍሓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ገዛ ካብ ቅቡል ንላዕሊ ብዝሒ ሰባት ክቕመጡ ኣይፍቀድን እዩ።
  • ኣሉታዊ ናይ መንበሪ ምስክርነት ክህልወካ የብሉን።
  • ሓገዝ መነባብሮ ትወስድን ገዛ ትደልን እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ነቲ ናይዚ ከተማ መምርሒታት ንቝጠባዊ ሓገዝ ዝምልከት ኢና ንኽተል።

ድሮ ካባና ተኻሪኻ እንተ ኣለኻ እሞ ናብ ካልእ ብMimer ዝውነን ገዛ ክትግዕዝ ትደሊ ኣለካ ዄንካ፡ እዚ ዝስዕብ ይምልከት፦

  • ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክራይ ገዛኻ ኣብ ግዚኡ ዝኸፈልካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ Mimer ዝኾነ ዕዳ ክህልወካ የብሉን።
  • ዝኾነ ናይ ረበሻ ምልክታ ክህልወካ የብሉን።

ሓደ መመልከቲ ኣዳሉ

ካብታ 16 ዓመት ዝመላእካላ ዓመት፡ ኣብ ናትና  ሪጋ ናይ ገዛውቲ ሪጋ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ካብታ ዝተመዝገብካላ መዓልቲ ጀሚርካ ነጥቢ ሪጋ (köpoäng) ትእክብ ኢኻ።

ንስኻን ብጸይትኻን ኣብቲ ናይ ገዛ ውዕል ክትሰፍሩ እንተ ደሊኹም፡ ከም ናይ ሓባር ኣመልከትቲ ክትምዝገቡ ኣለኩም። ከም ናይ ሓባር ኣመልከትቲ ቅቡላት ንኽትኮኑ፡ ምስ ቀንዲ ኣመልካቲ ኣብ ትሕቲ ከም ሰብ ቃል ኪዳን ዝመሳሰል ኵነት ትነብሩ ክትኮኑ ኣሎኩም።

ነቲ ናይ ሪጋ ነጥብኻ ንኽትዕቅቦ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ኣብ Mina sidor ክትኣቱ ኣሎካ። እንተ ዘይኮነ እቲ ናይ ሪጋ ነጥብኻ ክትከስሮን እቲ ምልክታኻ ክስረዝን እዩ። ናብ Mina sidor መዓስ ክትኣቱ ከም ዘድልየካ ክትፈልጥ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ኣብኡ ከለኻ እቲ ናይ ርክብ ሓበሬታኻ ልክዕ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ነቲ ዕድል ተጠቀመሉ።

Registrera dig (ተመዝገብ) (ሓበሬታ ብሽወደንኛ)

ናይ ሪጋ ነጥቢ እንታይ እዩ?

ምስ ተመዝገብካ 1 ነጥቢ ኣብ መዓልቲ ትርክብ፡ ዝበዝሐ ነጥቢ ምስ ዝህልወካ ድማ ሓደ ገዛ ናይ ምርካብ ዕድልካ ዝዓበየ ይኸውን።

ንሓደ ውዕል ምስ ተቐበልካዮ፡ እቲ ምልክታኻ ይድምሰስ፡ ከምኡ’ውን እቶም ናትካ ናይ ሪጋ ነጥብታት ናብ ባዶ ይምለሱ (ኣብ እዋን ገዛ ምልውዋጥ ኣብ Mimer እውን)።

እቶም ናትካ ነጥብታት ናይ ውልቂ እዮም። ናብ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ሪጋ ነጥቢ ክመሓላለፉ ወይ ክሕወሱ ድማ ኣይክሉን እዮም። እንተ ኾነ ግዳ እቶም ናይ ሪጋ ነጥብታት ክመሓላለፍሉ ዝኽእሉ ክልተ ፍሉይ ኵነታት ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ ከምዚ እዋን ወረቐት ምስክር ከተእቱ ኣሎካ። እቲ ናይ ሪጋ ነጥቢ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ከም ሰብ ቃል ኪዳን ዝመስል ኵነት ብሓባር ዝነብር ሰብ ክመሓላለፍ ዝኽእል እቲ ካልኣይ መጻምድቲ እንተ፦

  1. ሞይቱ
  2. ወይ ብቐዋሚ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ግዒዙ እዩ።

ኵሉ ግዜ ናብ Mina sidor ኣቲኻ ነቲ ህሉው ነጥብታትካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ።

ነቲ ናተይ ምልክታ ከመይ ገይረ የሓድሶ?

ናይ ርክብ ሓበሬታኻ፡ ምሳኻ ብሓባር ዘመልክት ወይ ኣበየናይ ሪጋ ከም ዘለካ ከተሓድሶ እንተ ኣድልዩካ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትገብር፦

  1. ናብ Mina Sidor እቶ።
  2. ናብ ”Min profil” (ናተይ ጸብጻብ) ኪድ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ላዕሊ ብየማን ዘሎ ሓምላዋይ ሰማያዊ ዝሕብሩ ናይ መግለጺ ስእሊ ክትረኽቦ ኢኻ።
  3. ኣብቲ ”Uppdatera uppgifter” (ሓበሬታ ኣሓድሶ) ዝብል ጠውቕ።
  4. እቲ ሓበሬታታትካን እቲ ትደልዮን ልክዕ እንተ ኣሎ ኾይኑ ኣረጋግጽ።
  5. ኣብቲ ምልክታኻ ገለ ነገር እንተ ቐይርካ ኣብቲ Spara (ዓቅቦ) ዝብል ጠውቕ።

ንናጻ ገዛ ከም ዝደልዮ ከመይ ገይረ የመልክት?

ናብቲ Sök ledigt (ናጻ ገዛ ድለ) ዝብል ብጻሕ፡ እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ። ኣብኡ ኵሎም ናይ Mimer ናጻ ገዛውቲ ኣሎዉ። እቲ ዝበዝሓ ናይ ሪጋ ነጥቢ ዘለዎን ነቲ ናትና መሰረታዊ ጠለብን ዘማልእ ሰብ እዩ፡ ነቲ ውዕል ገዛ ክኣቱ ዕድል ዝወሃቦ።

ኣብቲ ገዛ ክንደይ ሰባት እዮም ክቕመጡ ዝፍቀደሎም?

ንጥዕና ጐዳእቲ ናይ መነባብሮ ኵነታት ንምውጋድ፡ እቶም ኣብቲ ገዛ ክቕመጡ ዝፍቀደሎም ሰባት፡ ናይቲ ገዛ ስፍሓት ኣብ ግምት ብምእታው ቅቡል ዝኾነ ብዝሒ ክህልዎም ኣሎዎ። ንገዛ ከተመልክት ከሎኻ ነዚ ክትሓስበሉ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ገዛ ክቕመጡ ዝፍቀደሎም ብዝሒ ሰባት

1 ክፍሊን ንእሽቶ ክሽነን/ናይ ከብሒ ክሽነን 2 ሰባት

1 ክፍልን ክሽነን፦ 3 ሰባት

2 ክፍልን ንእሽቶ ክሽነን/ናይ ከብሒ ኽሽነን፦ 4 ሰባት

3 ክፍልን ክሽነን፦ 5 ሰባት

4 ክፍልን ክሽነን፦ 7 ሰባት

5 ክፍልን ክሽነን፦ 8 ሰባት

6 ክፍልን ክሽነን፦ 10 ሰባት

እዚ ብዝሒ ሰባት ንዓበይትን ቈልዑን እዩ ዝምልከት።

ካባና ገዛ ከተመልክት ከለኻ እዚ ዝስዕብ ይምልከት

  • ኣብ ሓደ እዋን እንተ በዝሓ ንሸውዓተ ገዛውቲ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
  • ንዝወሃበካ ብዙሕ ዕድላት ሕራይ ብምባል ክትቅበል ትኽእል ኢኻ። ውዕል ክትኣቱ ዕድል እንተ ተዋሂቡካ፡ ካባና ተሌፎን ክድወለካ እዩ።

ናይ Mimer ጽንሰ-ሓሳብ መንበሪ

ብጀካ እቶም ናይ ተምሃሮ ገዛውትን ናይ ሓጺር ግዜ ውዕልን፡ ኵሎም እቶም ናትና ናጻ ገዛውቲ ኣብ ትሕቲ እቲ Lediga lägenheter  (ናጻ ገዛውቲ) ዘሎ Sök ledigt ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ። ኵሎም ገዛውቲ ብመንገዲ ናትና ናይ ሪጋ ነጥብታት ስርዓት እዮም ዝካረዩ። ገዛ ንምክራይ ነቲ ናትና መሰረታዊ ጠለባት ንምንባብ፡ ነቲ ኣብ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ላዕለዋይ ሕጡብ ጽሑፍ ርኣይ።

ካብ ምትካኽ ሽጋራ ናጻ ገዛ

በቲ ምትካኽ ንዝሓሙ ተኻረይቲ ብምሕላይ፡ ኣብቶም ናትና ሓደሽቲ ህንጻታት ”ካብ ምትካኽ ናጻ ገዛ” ኣሎዉና። ካብ ምትካኽ ናጻ፡ ኣብቲ ገዛ ውሽጢ፡ ኣብ ሰገነት/ውሽጢ ቐጽሪ፡ ኣብ መእተዊን ኣብ ውሽጢ ናይቲ ህንጻ ዘለዉ ናይ ሓባር ቦታታትን ምትካኽ ክልኩል ማለት እዩ።

Snabb inflytt (ቅልጡፍ ምእታው)

ቅልጡፍ ምእታው፡ ንምግዓዝ እንተ ነውሐ 1 ወርሒ ተሪፍዎም ዘሎ ገዛውቲ እዮም። ሓደ ገዛ ንምክራይ ናጻ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ብሓባር ምስቶም ካልኦት ናጻ ዝኾኑ ገዛውቲ ንኽልተ መዓልታት ህዝቢ ከም ዝፈልጦም ይግበሩ።  ኣብዚ ግዜ እዚ ናትካ ተገዳስነት ከተመልክት ዕድል ኣሎካ። ቅልጡፍ ምእታው ዘለዎም ገዛውቲ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ገዛውቲ ብናይ ሪጋ ነጥቢ እዮም ዝካረዩ።

ሓደ ናይ ቅልጡፍ ምእታው ገዛ ክትካረ ዕድል ንኽህልወካ እዚ ዝስዕብ የድልየካ፦

  • ገዛ ንኽትካረ ነቶም ናትና መሰረታውያን ጠለባት ከተማልእ።
  • እቲ ገዛ ንምክራይ ናጻ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንኽትወስዶ ቅሩብ ምዃን።

ቀሊል ንምንባር 55+

እቲ ቀንዲ ኣመልካቲ 55 ዓመት ዝመልኣ ክኸውን ኣሎዎ። ብዓል-ቤት/ብዓልቲ-ቤት ወይ ብሓባር ዝነብር/ትነብር ብዕድመ ዝነኣሰ ክኸውን ይፍቀድ እዩ። ኣብ ገዛ ምሳኻ ዝቕመጡ ቈልዑ ክህልዉኻ ኣይፍቀድን እዩ።

ናይ መንእሰያት ገዛውቲ

  • ሓደ ናይ መንእሰያት ገዛ ምክራይ ንኽትክእል ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 18ን 27ን ዓመት ክኸውን ኣሎዎ።
  • ምክራይ ብመንገዲ እቲ ንቡር ሪጋ ይፍጸም።
  • ኣብቲ ገዛ ክሳብ ዝደለኻዮ ግዜ ክትነብር መሰል ኣሎካ፣ ማለት ዋላ ዕድሜኻ 27 ዓመት ምስ ሓለፈ።
  • ነቲ ገዛ ከተመልክት ከሎኻ፡ ንስኻ እቲ ቀንዲ ኣመልካቲ ኢኻ ነቲ ናይ ዕድመ ጠለብ ከተማልእ ዘሎካ። እቲ ናይ ሓባር ኣመልካቲ ዋላ እቲ ሰብ ነቲ ናይ ዕድመ ጠለብ ኣየማልእ ኣብቲ ውዕል ክሰፍር ይኽእል እዩ።

ናይ ሓጺር ግዜ ውዕል

እቲ ገዛ ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዳግመ-ህንጸት ስለ ዘሎ ወይ ኣብ እዋን ሓደጋ ንዝገዓዙ ሰባት ክጥቀም ስለ ዝኾነ፡ ንዝተወሰነ ግዜ እዩ ዝካረ። ከም ተኻራዪ ክሳብ Mimer ነቲ ገዛ ዝደልይዎ ኣብኡ ክትቅመጥ ዕድል ኣሎካ። እቲ ውዕል ንዓኻ ከም ተኻራይን ንMimerን ናይ ሓደ ወርሒ ናይ ምውጻእ ስምዕታ ሃልይዎ በብእዋኑ ንሓደ ወርሒ ይቕጽል።

ኣብ ውሽጢ እዚ እዋን እዚ እቲ ናትካ ናይ ሪጋ ነጥቢ ከም ዘለዎ ኾይኑ ካልኦት ገዛውቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሓጺር ግዜ ውዕል ዘለዎ ሓደ ገዛ ክትካረ ተኽእሎ ንኽህልወካ እዚ ዝስዕብ የድልየካ፦

  • ገዛ ንምክራይ እቶም ናትና መሰረታውያን ጠለባት ከተማልእ።
  • እቲ ገዛ ንኽራይ ናጻ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንኽትካረዮ ቅሩብ ክትከውን።

ዝኾነ ምርኣዩ የለን። ብኻልእ ኣገላልጻ ቅድሚ ምግዓዝካ ነቲ ገዛ ክትርእዮ ዕድል የብልካን ማለት እዩ።

ኵሎም ብናይ ሓጺር ግዜ ውዕል ዝካረዩ ገዛውቲ (እዚ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ)

ናይ ተምሃሮ ገዛውቲ

ናይ ተምሃሮ ገዛ ንኽትካረ ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • ናይ ግድን ኣብ Mälardalens universitet (MDU)# ትመሃር ክትከውን ኣሎካ።
  • ናይ ግድን እንተ ወሓደ 15 ናይ ዩኒቨርሲቲ ነጥቢ/ወቕተ-ትምህርቲ ክትመሃር ኣሎካ።
  • ትምህርቲ ክትውድእ ከሎኻ ነቲ ውዕል ናይ ግድን ክትስርዞ ኣሎካ።

ኣብ ዓመት ናይ 10 ወርሒ ክራይ ጥራይ ኢኻ ትኸፍል። ምክራይ ብመንገዲ Bostads Västerås ይፍጸም (ሓበሬታ ብሽወደንኛ)።

ናትና ናይ ተምሃሮ ገዛውቲ፡ ከምዚ ገርካ ድማ ተመልክተሎም