Hoppa till huvudmenyn Hoppa till innehåll

ፋክቱራኻ ክፈሎ

ነቲ ክራይ ገዛ እንተ ደንጐኻ ኣብታ መወዳእታ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ክፈሎ። ኣብ ግዚኡ እንተ ዘይከፊልካዮ ካብ ሓደ  ምስቲ Mimer ውዕል ዘለዎ ትካል ምእካብ ዕዳ ማለት Sergel Inkasso ሓደ inkassokrav (ንሓደ ዕዳ ንኽትከፍሎ ብጽሑፍ ዝሓትት) ክመጻካ እዩ። ናይ ክራይ ፋክቱራ ጥራይ እምበር ዝኾነ ናይ ክፍሊት መዘኻኸሪ ኣይክመጸካን እዩ።

ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እቲ ክራይ ገና እንተ ዘይተኸፊሉ፡ እቲ ጕዳይ ናብ Kronofogden (ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት) ክመሓላለፍ እዩ። ሽዑ እቲ ናትካ ውዕል ክራይ ንኽስረዝን እቲ ገዛኻ ንኸተጥፍኦን ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ ኢኻ። ብዙሕ ግዜ እቲ ክራይ ገዛ ደንጕኻ እንተ ከፊልካዮ፡ Mimer እውን ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ክስርዞ ይኽእል እዩ።

ክራይ ገዛኻ ዝኽፈለሉ ዝተፈላለየ ኣገባባት ኣሎ

Autogiro (ኣውቶጂሮ) ብኣውቶጂሮ እቲ ክራይ ካብ ሕሳብካ ብቐጥታ ይሰሓብ። እታ ናይ ግድን ክትገብራ ዘሎካ ሓንቲ ነገር፡ ኣብታ መወዳእታ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይታ ወርሒ፡ እቲ ክራይ ካብ ሕሳብካ ክሰሓብ ከሎ፡ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ከም ዘሎ ምርግጋጽ ጥራይ እዩ። ብመንገዲ autogiro ክትከፍል ከሎኻ ናብ ገዛኻ ዝኾነ ናይ ወረቐት ፋክቱር ኣይመጻካን እዩ።

E-faktura (ኤለክትሮኒካዊ ፋክቱር)ውልቀ ሰብን እቲ ምሳና ውዕል ዘለዎን እንተ ዄንካ፡ e-faktura ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ናይ ግድን internetbank እውን ክህልወካ ኣለዎ።

Internetbankናይ ወረቐት ፋክቱራ እንተ ኾይኑ ዝመጸን ነቲ ክራይ ገዛ ብመንገዲ ናትካ internetbank እንተ ዄንካ ትኸፍሎን፡ ኣብቲ ናይ መኽፈሊ ካርድ ዘሎ ናትና ባንክጂሮ ቍጽሪ 808-6142 ከምኡ’ውን OCR-ቍጽሪ ምጥቃስ ዘክሮ ኢኻ። እንተ ዘይኮነ እቲ ክፍሊት ካባኻ ከም ዝመጸ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።

ኣብ ናይ ጶስጣ ወይ ባንክ ቤት ጽሕፈት፦ ብመንገዲ ጶስጣ ወይ ኣብ ባንክ እንተ ዄንካ ትኸፍሎ፡ ምስቲ ናይ ክራይ ፋክቱራ ዝመጸ ናይ መኽፈሊ ካርድ ተጠቀመሉ ኢኻ። እንተ ኣጥፊእካዮን ኣብ ክንድኡ ናትካ ናይ መኽፈሊ ካርድ ክትጽሕፍ ዄንካን፡ ስምካ፡ ኣድራሻኻን ናትካ ናይ ውዕል ቍጽርን ጸሓፈሉ። ከምኡ’ውን ናይ ግድን እቲ ተቐባላይ Mimer ወይ Bostads AB Mimer ምዃኑ ክትጽሕፈሉን ናትና ባንክጂሮ ቍጽሪ 808-6142 ክትጠቕሶን ኣሎካ።

ናይ ወረቐት ፋክቱራ እንተ ዄንካ ትደሊ፡ 39 ክሮነር ንወርሒ ይኽፈሎ እዩ። ነዚ ክፍሊት ኣውቶጂሮ ወይ ኤ-ፋክቱራ ብምምራጽ ብቐሊሉ ከተወግዶ ትኽእል ኢኻ።

ነቶም ናተይ ፋክቱራታት ኣበይ ክርእዮም እኽእል?

ኵሎም ናትካ ፋክቱራታት ንኽትርእዮም፡ ኣብ Mina sidor ምስ ኣተኻ፡ ኣብቲ ”Se alla fakturor (ኵሉ ፋክቱራታት ርኣዮ” ዝብል ክትጥውቕ ትኽእል ኢኻ። (እዚ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ) ኣብዚ ኣብቲ ”Ladda ner faktura” (ፋክቱራ ጸዓን) ብምጥዋቕ፡ ድሕሪኡ ብየማን ጠዊቕካ ነቲ ”Skriv ut” (ሓቲምካ ኣውጽእ) ዝብል ብምጥዋቕ ነቶም ናትካ ፋክቱራ ሓቲምካ ከተውጽኦም ትኽእል ኢኻ።

ናይ Mimer Kundcenter (ማእከል ዓማዊል) ንዓኻ ዝኾነ ፋክቱራታት ሓቲሞም ከውጽኡልካ ኣይክእሉን እዮም እዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ቤት ንባብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ክፍሊ መሕጸቢ ክዳውንትኹም እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!

ክፍሊ መሕጸቢ ክዳውንቲ ንኹሉ ሰብ ደስ ዝብል ቦታ ከመይ ጌርካ ከም ትገብሮ ዝሕግዘካ ገለ-ገለ ሓበሬታታት ኣብዚ እንሆ፡፡

  • ኣብ ዝሓዝካዮ ግዜ ጥራይ ሕጸብ።
  • ካብቲ ኣብ መንቀጺ ዝርከብ መጻረዪ ዶሮና ነቲ ዶሮና ምልጋሱ ዘክር።
  • ነተን መሕጸቢ ክዳውንቲ ምስ እቲ ናይ ኦሞን መለቕለቕን መከፋፈሊ ሓዊስካ ኣንቅጾ።
  • ምድሪ-ቤት ኣጽርዮ። ድሕሪኡ ንዅሉ እቲ ናይ ጽሬት መሳርሒታት ኣጽሪኻ ኣብ ቦታኡ ምለሶ።
  • ዝኾነ ክህሉ ዝኽእል ጐሓፍ ፈላሊኻ ኣብ ክፍሊ መሕጸቢ ክዳውንቲ ወይ ኣብ ናይ ኣካባቢ ኣዳራሽ ጕሓፎ።
  • ዝኾነ ዝተሰብረ ነገር ኣሎ ድዩ? ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 021-39 70 00 ደዉል ወይ ብመንገዲ Mina Sidorናይ ብልሽት ሓበሬታ ሃብ።

ኣብ ናትና ናይ ማኪና መዓሸጊ ቦታ ንምርካብ ኣብ ሪጋ እቶ

ናይ ማኪና መዓሸጊ ክትካረ ንኽትክእል፡ ናይ ግድን ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዘይ ዝኾነ መረረ ክራይ ገዛኻ ዝኸፈልካ ክትከውን ኣለካ።

ኣብቲ ናትካ ናይ ቀረባ ኣከባቢ ጥራሕ ኢኻ ናይ ማኪና መዓሸጊ ክትካረ እትኽእል። ኣብ ካልእ ኣከባቢ ኣኺሉ ዚተርፍ ናይ ማኪና መዓሸጊ እንተ ኣሎ ኾይኑ ኣብኡ እውን ክትካረ ትኽእል ኢኻ፡ 25% ግብሪ ግን ብላዕሊ ይውሰኾ እዩ።

ኣብ ሓደ ግዜ እንተ በዝሐ ሰለስተ ምልክታ ናይ መዓሸጊ ማኪና ኢኻ ክትገብር ትኽእል።  ኣብ ውሽጢ ናይ 30 መዓልታት ግዜ ንዝወሃበካ ሰለስተ ዕድላት እንተ ነጺግካዮ ወይ መልሲ ዘይሂብካሉ፡ ን30 መዓልታት ተወሳኺ ናይ ተገዳስነት ምልክታ ካብ ምግባር ክትዕገት ኢኻ።

ናይ ማኪና መዓሸጊ ቦታ ክትካረ ንኽትክእል መጀመርታ ብመንገዲ Mina sidor ኣብ ናይ ማኪና መዓሸጊ ቦታ ሪጋ ክትኣቱ ኣለካ። ሓገዝ እንተ ደሊኻ Kontakta oss (ምሳና ርክብ ግበር)።

ምልዋጥ ናይ ገዛ

ኣብቲ ትነብረሉ ገዛ ምንባር ንኸይትቅጽል ዝገብር ኵነታት ሂወትካ እንተ ተለዊጡ፡ ንገዛ ምልዋጥ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ገዛ ክትልውጥ ንኽትክእል እዚ ዝስዕብ ይሓትት

  • ነቲ ናይ ምልዋጥ ምልክታኻ ንኽንርእዮ እንተ ወሓደ ኣብቲ ኣፓርተማ ንሓደ (1) ዓመት ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ።  እዚ ድማ እቲ ናይ ገዛ ውዕል ብፍሉይ ክፍሊት ናብ ካልእ ሰብ ንኸይመሓላለፍ እዩ።
  • ንስኻን እቲ ምሳኻ ገዛ ክልውጥ ዝደሊ ዘሎ ሰብን ክልቴኹም ናይ ግድን ነቲ våra grundkrav (ናትና መሰረታዊ ጠለባት) °ከተማልኡን ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንበሪኹም ብሕማቕ ዘይሓዝኩሞን ክትኮኑ ኣለኩም።
  • እቲ ምልዋጥ ቅቡል ዝኾነሉ ሓደ ቅድመ-ኵነት፡ ንስኻን እቲ ሓድሽ ተኻራይን ክልቴኹም ኣብቲ ገዛ ንኽትነብሩ መደብ እንተ ኣለኩም ኮይኑ እዩ። ከምዚ እንተ ዘይኮይኑ፡ ክልቴኹም ነቲ ውዕል ንኽትከስርዎ ተኽእሎ ኣሎ።
  • ምስቲ ናይ ገዛ ምልዋጥ ዝተተሓሓዘ ንዝኾነ ኣካል ገንዘብ ክቕበል ወይ ንኽህብ ድልየት ከርኢ ኣይፍቀድን እዩ።  ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ።
  • ቅድሚ ነቲ ምልክታ ምጽዳቕና ዝኾነ ናይ ገዛ ምልውዋጥ ክግበር ኣይፍቀድን እዩ። ዝጸደቐ ምልክታ እንተ ዘይብልካ ኾይኑ፡ ነቲ ናይ ኣፓርተማኻ ውዕል ክትከስሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ከምኡ’ውን እቲ ኣፓርተማ ዝተፈተሸን ውዕል ዝፈረምኩምን ክትኮኑ ኣለኩም።
  • ናብ ሓደ ናይ Mimer ኣፓርተማ ክትቅይር ከለኻ፡ እቲ ናትካ ናይ ኣፓርተማ ምልክታ ይስረዝ እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ናትካ ናይ ሪጋ ነጥብታት ይጠፍእ እዩ።
  • ንስኻ ምስ ከተማ ቬስትሮስ ናይ መንበሪ ደገፍ ዘለዎ ውዕል ዘሎካ፡ ገዛ ክትልውጥ ኣይትኽእል ኢኻ።
  • ዝተደናጎዩ ክፍሊታት ክራይ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም፡ ናብ ሓደ ዝሓሰረ ኣፓርተማ ጥራይ ኢኻ ክትልውጥ ትኽእል።

ካብ ሕጂ ንንየው ናይ ገዛ ምልውዋጥ ኣይነራኽብን ኢና። ገዛ ምልዋጥ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ኣብ ጉግል ኣቲኻ ”bostadsbyte Västerås” ኢልካ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ክሕግዛኻ ዝኽእላ ብዙሓት መርበብ ሓበሬታ ኣለዋ።

Blankett för ansökan om bostadsbyte (ምልክታ ብዛዕባ ምልዋጥ ገዛ) (pdf) (ብሽወደንኛ)